Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ዘይምርድዳኣት ብልዝብ ንኽፍትሑ ይሰርሕ ኣሎ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ዘይምርድዳኣት ብልዝብ ንኽፍትሑ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያን ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ፌደራልና ክልልን ኣብ ከተማ ሰቆጣ ብምርካብ ምስ ተወከልቲ ህዝቢ ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዋና ኣመሓዳሪ ብሄረሰብ ኣይተ ሃይሉ ግርማይ÷ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምሕላው ኣብቲ ዞባ ምስ ዝንቀሳቐሰ ጉጅለ ዕጡቕ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ኣብቲ ከባቢ ሰናይ ፅዕንቶ ከምዘምፀአ ገሊፆም፡፡

ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል ዝረአዩ ጎንፂታት ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ዝግበሩ ብምዃኖምን ትርፊ ዘይርከበሎም ስለዝኾኑን ኩሉ ናብ ሰላማዊ ዝርርብ ንኽመፅእን ዘላቒ ሰላም ንኸዓስልን ሓቲቶም፡፡

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣብዱልከሪም መንግስቱ ብግደኦም÷ “ኣብ ክልልና ተሓሲቡ ዝነበረ ትልሚ ጥፍኣት ተኸቢሱ ኢዩ፤ ኣንፃራዊ ሰላም ተረኺቡ ኢዩ” ኢሎም።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያን ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ÷ ዘጋጥሙ ናይ ጎንፂ ዑደታትን ፈተናናታትን ብሓድነት ሕብረትን ብምቅላስ ካብ ድኽነትን ጉስቁልናን ምውፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሰላም ብዘላቕነት ንኽረጋገፅ ሕጊን ስርዓትን ክኽበር ከምዘለዎን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዕጥቂ ብምሕንጋጥ ሕቶ ንምምላስ እናተገበረ ዝርከብ ምንቅስቓስ ንዝኾነ ኣካል ዘይጠቅምን ትርፊ ዘይብሉን ከምዝኾነ ኣባሪሆም።

“ፓርቲ ብልፅግና ዘይምርድዳኣት ብዝርርብ ንኽፍትሑ እናሰርሐ ይርከብ” ዝበሉ ኣይተ ሽመልስ÷ እቲ ፓርቲ ፅኑዕ ድሌት ሰላም ከምዘለዎ ኣረጋጊፆም።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገርን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ህዝቢ ዋግህምራ ዘለዎ ፀጋን ሃፍቲን ብግቡእ ንኽጥቀም ኣብቲ ብሄረሰብ ምምሕዳር ዝለዓሉ ሕቶታት ልምዓት ብጭቡጥ ንኽፍትሑ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ሓበሬታ ፓርቲ ብልፅግና የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.