Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሶማሌ መዛዘሚ ጎስጓስ መረፃ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሶማሌ 20 መስከረም ንዝካየድ መረፃ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ጎስጓስ መረፃ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ኣካይዱ።

ኣብቲ መዛዘሚ ጎስጓስ መረፃ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብለርፅግና ሶማሌ ኢንጂነር መሀመድ ሻሌ ሓዊሱ ላዕለዎት ሕፁያት ኣመራርሓታትን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ከተማ ጂግጅጋን ተረኺቦም።

ኢንጂነር መሀመድ ሻሌ፥ ፓርቲ ብልፅግና ኣከተማ ጂግጂጋን ኣብ መላእ ክልል ሶማሌን ዘቕረቦም ሕፁያት ፍልጠት፣ ልምዲን ዓቕሚን ዘለዎም ኢዮም ኢሎም።

20 መስከረም ኣብ ዝካየድ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ንምምራፅ ከምዝተዳለዉ ኣብቲ ጎስጓስ ዝተረኸቡ ነበርቲ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ መረጻ ብሰላም ንኽዛዘም ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ሓላፍነት ከዝዋፅኡ ምግላፆም ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተመሳሳሊ ዜና መዛዘሚ ጎስጓስ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሃረሪ፥ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኦርዲን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲን ሕፁያት ተወዳደርቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.