Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ኦሮሚያ ኣብቲ ክልል ንዝተገበረ ሰልፊ ድጋፍ ምስጋና ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኦሮሚያ ኣብቲ ክልል ክልል ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወትን እቲ ዓወት ክቕፅል ንምግባርን ዓሊሙ ንዝተገበረ ሰልፊ ድጋፍ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ሓላፊ እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣይተ ፈቓዱ ተሰማ÷ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወትን እቲ ዓወት ክቕፅል ንምግባርን ዓሊሙ ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ÷ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ብምውፃእ ነቲ ለውጢ ዘለዎም ድጋፍ ከምዝገለፁ ኣብሪሆም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ፥ ንናፅነት፣ ንማዕርነትን ፍትሒን ዝተኻየደ ቃልሲ ከምኡ እውን ድሕሪ ለውጢ ንዝተመዝገቡ ዓወታትን ኣፍልጦ ከምዝሃቡ ተዛሪቦም፡፡

“ብሰላማዊ መገዲ ዝመፅአ ለውጢ ብሽርሒን ብሓይሊን ንምትዕንቓፍ ዝንቀሳቐሱ ፅንፈኛ ሓይሊታት ከምዝቃለሱዎም ጥንኩር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኢዮም” እውን ኢሎም፡፡

ኣይተ ፍቓዱ ተሰማ ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብቲ ሰልፊ ድጋፍ ንዝተሳተፉ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣባ ገዳታት፣ እኖታት ሲንቄ፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ሓረስቶት፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

እቲ ሰልፊ ብዓወት ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ፀፅታን ኣመራርሓታት መንግስቲን እውን ኣመስጊኖም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.