ፓርቲ ብልፅግና ኣፈፃፅማ መደባት 2014ን ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ምን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣፈፃፅማ መደባት 2014ን ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ምን ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።
ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣደም ፋራህ÷ እቲ ፓርቲ ነዚ እዋን ዝምጥን ውዳበ ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ኣረዲኦም።
ካብ ህዝቢ ዝለዓሉ ሕቶታት ምምላስ፣ ለውጢ ምቕፃልን ትልሚ ምዕባለ ምዕዋትን ዘኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ኣመራርሓ ምቕራፅ ዝተፈለየ ትኹረት ተዋሂቡዎ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኣፍሪካ ፀገማት ምፍታሕ ኣበ ዘኽእል ማዕቐፍ ይረአዩ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።
ልኡኽ ሓምለዋይ ኣሰር ምፍፃም፣ ተሳትፎ ግድብ ህዳሰን ቀዳማይ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ብዝግባእ ምፍፃምን ዝብሉ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።