Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝገብሮ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ንምስታፍ ጉጅለ ልኡኻት ኣሓት ፓርቲ ኡጋንዳን ቱርኪን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝገብሮ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ንምስታፍ ጉጅለ ልኡኻት ኣሓት ፓርቲ ኡጋንዳን ቱርኪን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ንምስታፍ፥ ምክትል ኣቦ መንበር ናሽናል ሬሲስታንስ ፓርቲ ኡጋንዳ ኣለፐር ሳይመን ዝመርሑዎ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ፥ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ፍሰሃ ሻውል ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ብተመሳሳሊ ምክትል ኣቦ መንበር ጉዳያት ወፃኢ ኤ ኬ ፒ ፓርቲ ቱርኪ ፌቭዚ ሻንቨርዲ ዝመርሑዎ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ናብ ኣዲሰ ኣበባ ኣቲዩ ኢዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ፥ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኣምባሳደር እሸቴ ጥላሁን ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.