Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ኢትዮጵያውያ ብዘይኣፈላላይ ዝሓቖፈ ህብረብሄራዊ ፓርቲ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኢትዮጵያውያ ብዘይኣፈላላይ ዝሓቖፈ ህብረብሄራዊ ፓርቲ ኢዩ ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም፡፡

‘ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንስለስተ መዓልቲታት ዝካየድ መኽፈቲ ስነ ስርዓት 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ምክትል ፕሬዚዳንታት እ ፓርቲን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ተረኺቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ላዕለዎት ኣመራርሓ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ኣሕዋት ፓርቲታት ጎረባብቲ ሃገራትን ኣባል ሃገራት ብሪክስን፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን÷ ፓርቲ ብልፅግና ሚዛናዊነትን መተኣሳሳሪን ተረኽ መሰረት ብምግባር ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተፃብኦታት ዘተዓርቕ ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊቱ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ፓርቲ ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዓሊሙ ዝተጣየሸ ፓርቲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“እዚ ተፈፃሚ ንምግባር እውን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብዘይ ኣፈላላይ ዝሓቖፈ ሓቀኛ ህብረብሄራዊ ፓርቲ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ተሳትፎን ተረባሕነትን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብፍትሓዊነት ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ባህሊ ዲሞክራሲ ምጉልባትን ክብሪ ሕውነትን ምድንፋዕ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣሚኑ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

ብፌቨን ቢሻውን የኔወርቅ መኮንንን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.