Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ንኢትዮጵያ ዝምጥን ሓዱሽ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ተግባራዊ ምግባሩ ኣጠናኺሩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ንኢትዮጵያ ዝምጥን ሓዱሽ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ተግባራዊ ምግባሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣባላት ኮሚቴ ኣፈፀምቲ ስራሕ እቲ ፓርቲ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት፡ ሱር ዝሰደደ ስብራት ቁጠባን ኢ-ፍትሓውነት ዝሓየለሉ፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓፈናን ዝዓሰሉሉ፣  ውሑዳት ኣብ ሓደ ጉጅለ ተወዲቦም ዝዕንድርሉ  ህወሓት ዝመርሖ ስርዓት ብህዝባዊ ቃልሲ ተቐይሩ እዩ።

በቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝተኸበረትን ዝተሓፈረትን፣ ንዜጋታት ብማዕርነት ዝሓቖፈት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝዓሰለላ ኢትዮጵያ ዝሃንፁን ኣብ ሞንጎ ንኢትዮጵያ ዘፍርስ ጉጅለ ፈተና ከምዘጓነፈ፤ ኣባላት ኮሚቴ ኣፈፀምቲ ስራሕ ፓርቲ  ብልፅግና ዶ/ር ኣለሙ ስሜ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው፣ ዶክተር ሰማ ጥሩነህን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒን፤ እቲ ለውጢ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ነቲ ለውጢ ንምግልባጥ ዘይሕለል ቃልሲ ከምዝተኻየደ ኣረዲኦም።

ብፍላይ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዝተዛብዐ ተረኽ ምክፍፋልን ምጥርጣርን ብምንሃር፤ ማሕበራዊ ፀጋታት ብምፍራስ፤ ብብሄርን ሃይማኖትን ተንከፍ ጎንፂታት ንህዝቢ ክማረር ብምግባር፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ዕላዊ ኲናት ብምእዋጅ ንሃገር ንምፍራስ ቀትርን ለይትን ሰሪሑ እዩ።

ሰብ ካብ ሰብ-ሰራሕ ውሽጣውን ግዳማውን ሓደጋታት ብተወሳኺ ከም ኣንበጣ፣ ውሕጅ፣ ድርቅን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን እውን ብኸቢድ ዝተፈተኑ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም። ብፈተናታት ዝተመልአ ሃገራዊ ለውጢ፤ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ብምምላስ፡ ዝተኣስሩ ሓራ ብምውፃእ፡ ዕፁዋት መራኸቢ ብዙሃን ብምኽፋት፡ ዲሞክራስያዊ ትካላት ብምህናፅ፡ ኣሰርቲ ሕግታት ንክመሓየሹ ብምግባር መሰረት ዲሞክራሲ ኣንቢሩ።

ሕሉፍ ሽርሒ፤ ፖለቲካ ፈታውን ፀላእን ብመንፈስ ሓባራዊ ሃገር ብሓባር ንምስራሕ ዝተተክአሉ፤ ነፃን ዴሞክራስያውን መረፃ፣ ሜጋ ፕሮጀክትታት ብዕውት ዝተዛዘሙሉን ህንፀት ጥዑይ ፖለቲካዊ ባህሊ ጋህዲ ንክኸውን ዝተጀመረሉ ለውጢ እዩ ኢሎም።

ጠንቂ እቲ ለውጢ ዝኾኑ ሃገራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ኣፈላላያት ብምፅጋን ኢትዮጵያ ናብ ብልፅግና ንምምፃእ እቲ ቀንዲ ዕላማ ጭቡጥ ለውጢ የምፅእ ከምዘሎ እውን እቶም ኮሚቴ ኣፈፀምቲ ስራሕ እቲ ፓርቲ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.