Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና በኹሪ ተረኽን ዓፀፋዊ ተረኻትን ንምትዕራቕ ብዕቱብ እናሰርሐ ምዃኑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ በኹሪ ተረኻትን ዓፀፋዊ ተረኻትን ንምትዕራቕ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ርክብን እቲ ፓርቲ ምስ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ዘሰናደኦ 4ይ ዙር መድረኽ ስልጠና ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ርክብን እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ተረኺቦም።

“ተረኽ ብሄራዊነት ንምዕባለ ኢትዮጵያ!!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሓሙሽተ መዓልቲታት ኣብ ዝወሃብ ስልጠና÷ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኮሙኒኬሽንን ሚዲያን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን እናተሳተፉ ይርከቡ።

እቲ መድረኽ ንዝቕፅል ህንፀት ሃገራዊ ተረኽ ግደ ሰብ ሞያ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ዝድህስስ፣ ጥንኩርን ክብሪን ሉኣላዊነትን ሃገር፣ ንዓወት ሃገራዊ ብልፅግና ዓቕሚ ክኾን ዝኽእል ዕድል ዝፈጥር ከምዝኸውን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ ካብ ፅባሕ ለውጢ ጀሚሩ ባህሊ ፖለቲካ ንምልዋጥ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ይርከብ።

እንታይነትን ኣድላይነትን እቲ ለውጢ ብግቡእ ንምርዳእን ንምስራፅን ከምኡ እውን ስርዓት ዴሞክራሲ ሃገር ኣብ ፅኑዕ መሰረት ክህነፅ ንምግባር በኹሪ ተረኻት ምምዕባል ኣድላዪ ከምዝኾነን ነቲ ከይዲ ወሳኒ ግደ ከምዝፃወት ገሊፆም።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ በኹሪ ተረኻትን ዓፀፋዊ ተረኻትን ንምትዕራቕ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.