Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ሰላም ንምፅናዕ ልምዓት ንምርግጋፅ ብቖራፅነት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ቅድሚ ኩሉ ሰላም ንምፅናዕን ልምዓት ብምርግጋፅን ብቖራፅነት እናሰርሐ ምዃኑ ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ገሊፆም።

ዘላቒ ሰላም ንምፅናዕ፣ ሃገራዊ ትልሚታት ልምዓትን ንምዕዋት እውን ዝተጀመሩ ኩለመዳያዊ ፃዕሪታት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።

ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣለማየሁ ባውዲ፤ “ፓርቲና ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ሰላም ንዘቐድም ንልምዓት ድማ ቀትሪን ለይቲን ዝተግህ ኢዩ” ኢሎም።

በዚ ድማ ውፅኢታት እናተመዝገቡ ከምዝኾኑ  ብምሕባር፤ ምህዳር ፖለቲካ ብምስፋሕን ፀገማት ብዘተ ናይ ምፍታሕን ባህሊ ንኽድንፍዕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብቲ ፓርቲ ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ድሬዳዋ ኢብራሂም የሱፍ፤ ቅድም ቀዳድም ንሰላምን ልምዓትን ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾ ኣልዒሎም።

በዚ እውን ጭቡጥ ውፅኢት ክመፅእ ከምዝኸኣለ ብምግላፅ፤ ኩለመዳይ ልምዓት ሃገር ንምዕዋት ፃዕሪን ርብርብን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.