Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ምድማር ከም መገዲ ምዕባለ ከም መብፅሒ ዝወሰደበ፣ ብሃገር በቆል ሓሳብ ንባዕሉ ዝተኸለ ፓርቲ ምዃኑ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ምድማር ከም መገዲ ምዕባለ ከም መብፅሒ ዝወሰደበ፣ ብሃገር በቆል ሓሳብ ንባዕሉ ዝተኸለ ፓርቲ ምዃኑ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና “ካብ ፈተና ናብ ልዕልና!” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ብልፅና ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ ፓርቲታትን ውድባትን ብቑፅሪ፣ ብኣወዳድባ፣ ብሓሳብ ዝተፈለየ ፓርቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“እቲ ፓርቲ ልዕሊ 11 ሚሊየን ኣባላት ዘለዉዎ ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብ ታሪኸኽ ኢትዮጵያ ክንዲዚ ዝኣክል ዘኣክል ቁፅሪ ዘለዎ ፓርቲ የለን” ኢሎም፡፡

ብልጽግና ፓርቲ የትናንቱን እሴት ሳያፈርስ የነገው ብሩህ ተስፋ ፓርቲ መሆኑንም የፓርቲው ፕሬዚዳንት ገልፀዋል።

ፓርቲው ብልጽግናን በኢትዮጵያ ምድር ለማረጋገጥ የሃሳብም፣ የቁጥርም፣ የአደረጃጀትም ብቃት ያለው ፓርቲ ነው ያሉት ጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ፥ ስለሆነ የዚህ ፓርቲ አባል በመሆናችን እጅግ ኩራት ይሰማናል ነው ያሉት ፡፡

ፓርቲ ብልፅግና ናይ ትማሊ ክብሪታት እንተየፍረሰ ናይ ፅባሕ ብሩህ ተስፋ ከምዝኾነ እውን ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ምዕባለ ንምርግጋፅ ናይ ሓሳብ፣ ቁፅሪ፣ ኣወዳድባን ብቕዓት ዘለዎ ፓርቲ ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ “ስለዝኾነ ድማ ኣባል እዚ ፓርቲ ብምዃንና ኣዚና ኩርዓት ይስመዐና” ኢሎም፡፡

ንህዝብና እናማረሩ ዝነበሩ ስርቂን ምኽባር ናብራን ንምውጋድ ፓርቲ ብልፅግና ቆሪፁ ከምዝተለዓለ ብምሕባር፤ ኣመራርሓታት ምስ ህዝቢ ተቐራሪቦም ፀገማት ህዝቢ ብምፍታሕ ዝመርሑ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ዘገልግሉ ክኾኑ ይግባእ ክብሉ ፃውት ኣቕሪቦም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈልጦም ፓርቲታት 90 ሚኢታዊ ኦሮሞ፣ 1 ወላይታ፣ 1 ጋምቤላ፣ 1 ሲዳማ ሒዞም ህብረ ብሄራዊ ፓርቲ ከምዝነበሩ ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት፥ “ኣብዚ ቀዳማይ ጉባኤ ብልፅግና ንሪኦ ኩሎም ብሄራት ብዝግበኦም ቁፅሪ ዝሳተፉሉ ፓርቲ ምዃኑ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ቅንጅት፣ ህብረት፣ ኢህኣዴግ ከምኡ እውን ኣብ ደርጊ እዋን ዝነበሩ ፓርቲታት ንምእካብ ዝገበሩዎ ፈተነ እንተይተዓወተ ተሪፉ ኣብ ታሪኽና ንፈለማ እዋን ብርት ዝበሉ ፓርቲታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ፕሮግራምን ኣብ ትሕቲ ፅላል ኢትዮጵያን ሓደ ዝኾኑሉ ፈላማይ ፓርቲ ብልፅግና ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንፓርቲ ብልፅግና ምስረአዩ ካልኦት ንምኽታል ድፍረት ዝሰኣኑሉን ብዙሕ ቋንቋቋ፣ ብዙሕ ህዝቢ ኣጋርን ዋናን ዝበሃል ከፋፋሊ ህንፃ ዘፍረሰ ዝቐደመ ኩሉ ዘየዕነወን፣ ንፅባሕ ድማ ብሩህ ተስፋ ዝሰነቐ ፓርቲ ከምዝኾ ኣብሪሆም።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ፈተናታት ዝፀንሐ ይኹን እምበር ናይ ህዝቢ መሰል ዓርሰ ውሳነ ብህዝበ ውሳነ ኣብ ሲዳማ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከረጋግፅ ዝኸኣለ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ጋና ብዙሕ ክስረሐሉ ዝግባእ ይኹን እምበር ዴሞክራሲያዊ መረፃ ዝበሃልን መራፂ ህዝቢ ብማዕረ ለይቲ ሓዊሱ እንተይመረፅኩ ኣይከድን ዝበለሉ ሰላማዊ ዴሞክራሲያዊ መረፃ ከረጋግፅ ዝኸኣለ ፓርቲ ከምዝኾ እውን ተዛሪቦም።

ሰላም ንሃገርና ዓቢዪ ትርጉም ዘለዎ ስለዝኾነ፤ ንሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ንኽንሰርሕ ሓደራ ይብል” ኢሎም ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ኣቢይ ኣሕመድ።

ብዮሃንስ ደርበው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.