Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና  መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ  ስራሕ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ጠመተ ዝገበረ  ካልኣይ መዓልቱ ዝሓዘ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ፍርቂ ዓመት የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ገምጋም፥ ኣብ ኩነታት ሃገራዊ ፖለቲካ፣ ህንፀት ጥንኩር ፓርቲ ንምዕዋትን ፓርቲን መንግስቲን ተዋዲዶም ዝሰርሕዎም ኣጀንዳታት ጎስጓስን ጠመተ ዝገበረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ኣመራርሓ ዋና ቤት ፅሕፈት፣ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ክልልን  ሓለፍቲ ስራሕ ኣወዳድባን ፖለቲካን ኣብቲ መድረኽ ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ፥ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ካልኣይ ጉባኤኡ ዝሃቦም ዉሳነታትን ኣንፈታትን ጠሚቱ በቢ ብርኩ ዝተኻየዱ ዘተታት ኣፈፃፅመኦም ብዝምልከት ዘተ ይግበረሎም ከምዘሎ ኣብቲ ፓርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ዝዛመዱ ፀገማት ንምፍታሕ ዝስርሑ ስራሕቲ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ እናተሰርሑ ዘለዉ ተግባራት ፀብፃብ ቀሪቡ ዘተ ክካየደሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.