Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ሀዝብታት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ሎሚ ዘበን ዝተኸበረ መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ሀዝብታት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እቲ በዓል ““ብዙህነትን ማዕርነትን ንሃገራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ተኸቢሩ።

ብልፅግና ካብ ፅባሕ ለውጢ ጀሚሩ በፍሉይ ጠመተ ይሰርሖም ካብ ዘሎ ስራሕቲ ሓደ፥ ኣብ ነባር ታሪኽ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ መበገስቲ ክርክርን ቁርቁሰን ብምዃን ኣብ ኩሉ ተቐባልነቱ ዝተረጋገፀ መንግስታዊ ስርዓት ንከይህሊ ኣፈላላያት ክሰፍሑ ዝገበሩ ጉዳያት ነቒስጋ በምውፃእ ዕልባት ምሃብ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ህዙህነትን ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ኣዛሚዳ ንከይትጓዓዝ ዘፀግምዋ ዝነበሩ ዕንቅፋታት መፍትሒ ንምሃብ ዝኸድናዮ ርሕቐት ኣብ ቅድሚት ዝርቋሕ ኢዩ ክብል ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ኣብ ዘበናዊ ሃገረ መንግስቲ ታሪክ ኢትዮጵያ ካብ መንጎ ፈተና ዝኾኑ ሓደ፥ ሕቶ ብዙህነት ምትእንጋድ ዝምልከት ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያ ብዙሕ ቀለም ከምዘለዋ ዝዘንገዐ እቲ ነባር ሀንፀት ሃገረ መንግስቲ፥ ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ተፈጥሮኣዊ ኣፈላላያት ከም ፅባቐ ብምውሳድ ኣብቲ እዋን ኣፍልጦ ኣይሃበን ኢሉ እቲ መግለፂ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ብብዙሓት ፀገማት ክትክበብን ንትውልዲ ዝሓልፍ ዕዮ ገዛ ክህሉን ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሉ።

ነዚ ብዕሊ ዝተረደአ ፓርቲ ብልፅግና፥ ድሕሪ ለውጢ ብምድማር ኣተሓሳስባ ዝሓንፀፆ ሃገራዊ መገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ማንነታት ተፈጥሮኣዊ ከምዝኾኑ ኣፍልጦ ዝሃበ፣ ህብረ ብሄራዊ ምዃና ሃፍቲ እንበር ስግኣት ከምዘይኮነ ዝተገንዘበ፤ ኢትዮጵያዊነት ናይ ሓባር ማንነት ከምዝኾነን ፈፂሙ ምስ ብሄረሰባዊ ማንነት ክፃባእ ዘይኽእል ከምዝኾነ ዝኣመነ ጉዕዞ የተግበር ከምዘሎ ገሊፁ።

ነዚ ብሙሉእ ቁመና ንምርግጋፅን ጠንካራ፣ ተሳጋሪን ተቐባልነቱ ዝዓዘዘ ሀንፀት ሃገረ መንግስቲ ንክህሉን ዴሞክራሲያዊነት ክዕንብብ፣ ትካላዊነት ክፀንዕ፣ ኣተሓሳስባ ሕውነት ክምዕብል ዘኽእሉ ብዙሓት ስራሕቲ ከመዝተሰርሑን እወንታዊ ውፅኢት ከምዘመዝገቡን ኣብሪሁ።

ብልፅግና ብዘይካ ዴሞክራሲ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ምህናፅ ከምዘይከኣል ብኣግባቡ ከምዝርዳእ እውን ሓቢሩ።

እዚ ተግባራዊ ንክኸውን ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክት ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኩሎም ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘቕርብዎም ሕቶታት ብዘለቔታ ምላሽ ምሃብ ዝከኣል፣ ተፈጥሮኣዊ ብዙህነት ፍረ ዘፍሪ፣ ንኩሉ ብማዕረ እተገልግል ሃገር ምፍጣር ዝከኣል ጉዕዞና ብትካላዊ ኣተሓሳስባ እንትቃነ ምዃኑ ብኣግባቡ ምርዳእ የድሊ ኢሉ።

ነዚ ብምርዳእ ከም ፓርቲ ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ዘዕግብ ውፅኢት ከምዘመዝገቡ ኣረጋጊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.