Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ህፁፅ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ህፁፅ ጉባኤኡ ኣብ ሃዋሳ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነታት ከሕልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ፓርቲ ብብርኪ ማእከላይ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣኼብኡ ከካይድ ፀኒሑ ኢዩ።

ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ እቲ ፓርቲ፣ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ኣብ ዝተፈላለየ ውዳበ ፓርቲ ዝርከቡ ኣመራርሓን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እቲ ህፁፅ ጉባኤ እናተኻየደ ዝርከብ።

እቲ ጉባኤ ብህፁፅ ምክያድ ዘድለየሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት እቲ ፓርቲ ዘካየዶ ቀዳማይ ጉባኤ፤ ብቦርድ መረፃ ዘይተማልኡ ሓደሓደ ነጥቢታት ንኽእረሙ ብዝተቐመጡ ኣንፈታት መሰረት ብምግባር ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

ብምዃኑ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ብዝሃቦ መስተኻኸሊ ትእዛዝ ብምቕባል እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ጋቢዙ ጉባኤኡ ምክያድ ከምዝጀመረ ተመልኪቱ፡፡

ፐርቲ ብልፅግና እቲ ጉባኤ ምክያዱ ብዙሓት ረብሓታት ከምዘለዉዎን ከም ፓርቲ ድማ ዴሞክራሲ ንምህናፅ ዘለዎ ቆራፅነት ብህዝቢ ተኣማንነት ዘትርፈሉን ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብመሪሕነት ፓርቲ ብልፅግና ዝተጀመረ ሓሳብ ህንፀት ትካል ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እቲ ፓርቲ ዋና መርኣያ ክኸውን ከምዝኽእልን ንካልኦት ፓርቲታት እውን ኣብነት ዝኸውን ተግባር ከምዝፈፀመ ብዝግባእ ዝተኣመነሉ ኢዩ ኢሉ እቲ ፓርቲ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.