Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ህዝባዊ ሓደርኡ ንምውፃእ ዘኽእሉ ስጉምቲታት ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ካብ 2 ክሳብ 4 መጋቢት 2014 ዓ.ም ዘካየዶ ቀዳማይ ጉባኤኡ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊፁ።

ውሽጣዊ ሓድነት እቲ ፓርቲ ዘጠናኽሩ ውሳነታት ከመዝተወሰኑን እቲ ፓርቲ ዝተውሃብዎ ህዝባዊ ሓደራ ብኣግባቡ ንምውፃእ ዓሊሙ ናይ ኣባላት ገምጋም ከምዝተኻየደን ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ 108 ሺሕን 258 ኣባላት ዓሙይቕ ገምጋም ብምክያድ ኣብ ልዕሊ 10 ሺሕን 658 ኣመራርሓ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።

2 ሺሕን 574 አመራርሓ ካብ ሓላፍነት ከምዝተባረሩን ካልኦት ስጉምቲታት እውን ከምዝተወሰዱን እውን ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብ ክልላት ክሳብ ታሕተዋይ መሓዉር ዘተ ብምግባር ዝተወደበ ትልሚ ተዳሊዩ በቢከባቢኡ ዘለዉ ፀገማት ክፍትሑ ኢዮም ኢሎም።

ብብዙሓት ፅዕንቶታት ኢትዮጵያ ንምጉልባትን ንምፅናዕን ዝተኸየደ ርሕቐት ውፅኢታዊ ዝበሃል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብሃይለየሱስ ስዩም

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.