Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅናን ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅና ምስ ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽሎ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ንዘበናት ዝዘለቐ ጥቡቕ ምሕዝነት ኣብ ውሽጢ ግንዛበ ዘእተወን ብብርኪ ፓርቲ ክስርሑ ዝግበኦም ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ነጥቢታት ዘድሃበ ከምዝኾነ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ክልቲኦም ፓርቲታት ኣብ መርህ መሰረት ዝገበረ ርክብ ንኸማዕብሉ፤ ካብ ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ዝነፅሀ ርክብ ንኽፈጥሩ ኢሉ እውን ንሓበራዊ ተረባሕነት ብሓባር ንኽርሑ ዘኽእል ኢዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩሉ።

እቲ ስምምዕነት፥ ሓላፊ ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸ ርክብን ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳን ምክትል ሓላፊ ዓለም ለኸ ርክብ ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያ ኣንድሬ ክሊሞቭን ተፈራሪሞምዎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.