ፓርቲና ብልፅግና ብሪፎርም ዝተመዝገቡ ዓወታት ናብ ዝላ ንምስግጋር እናተሰናደአ ይርከብ – ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 20፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲና ብልፅግና ብሪፎርም ዝተመዝገቡ ዓወታት ናብ ዝላ ንምስግጋር እናተሰናደአ ይርከብ ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፀም።
“ልዕልና ሓሳብ ንኩለመዳይ ብልፅግና” ብዝብል ዝኽበር 5ይ ዓመት ምስረታ እቲ ፓርቲ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣይተ ኣደመ ኣብ መልእኽቶም÷ “ፓርቲና ብልፅግና 21 ሕዳር 2012 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ለውጢ ተወሊዱ ብሓዱሽ ኣረኣእያ፣ ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊቱ እናዓበየ ዝርከብ፣ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ብኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓውዲታት ኩለመዳይ ምዕባለ ዘረጋግፁ ዘደንቑ ውፅኢት ከመዝግብ ዝኸኣለን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሪፎርም ዝተመዝገቡ ዓወታት ክቕፅሉ ብምግባር ናብ ዝላ ንምስግጋር ብብቕዓት እናተሰናደአ ዝርከብ ፓርቲ ኢዩ” ኢሎም።
ትማሊ ብፃዕሪ ድሌት ለውጢ ህዝብቢን ሰጓማይ ሓሳብ ለውጢ ብዝተሓንገጡ ብርቱዓት መራሕቲን ተሓጊዙ ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ፤ ፓርቲ ብልፅግና ወሊዱ ኣብ ሓፂር እዋን ኢትዮጵያ ንዓለም ምድራዊት ኮኾብ ክገብሩ ዝኽእሉ መሰረታት ከምዘንበረ እውን ኣብሪሆም።
“ብኣምር ልዕልና ናይ ሕልሚ ጉዕዞና ዘመዝገብናዮም ውፅኢታት ንፅባሕ ገዛ ዕዮና ዓቕሚ ብምዃን ንተወሳኺ ዓወታት ክንተግህ እናገበሩና ኣብዚ በፂሕና ኣለና” ኢሎም።
ፓርቲና ብልፅግና ብሪፎርም ዝተመዝገቡ ዓወታት ናብ ዝላ ንምስግጋር እናተሰናደአ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም፡፡
“ዘይተርኣዩ ዓሞቕቲ ሃፍቲታት ፈልፊልና ብምውፃእ፣ ብኣቦራ ዝተሸፈኑ ኣእላፍ ፅባቐታት ገሊፅና፣ ዘይድፈሩ ዝመስሉ ማሕለኻታት ተጋፊዕና፣ ንሃገር ካብ ብተና ኣድሒንና፣ ብኹልና ካብ ኩልና ንኹልና ዝኾነት ህብረ-ብሄራዊ ሓድነታ ዝተጠናኸረ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ለይቲን ቀትሪን ለፊዕና ኢና” ክብሉ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ገሊፆም።