ፓርላማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 6ይ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ እዋናዊ ኩነታ ፀፅታን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታትን ታዛቲዩ ውሳነ ሓሳብ ኣሕሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 6ይ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ እዋናዊ ኩነታ ፀፅታን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታትን ታዛቲዩ ውሳነ ሓሳብ ኣሕሊፉ።
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ 50 (3) መንግስቲ ፌዴራል ላዕለዋይ ስልጣን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መንግስቲ ፌዴራል ኢዩ፡፡ ተፀዋዕነቱ ድማ ንህዝቢ እታ ሃገር ኢዩ፤ ውክልንኡ እውን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢዩ።
መርሃ ግብሪ እቲ ኣኼባ ብግፍዒ ንዝተጨፍጨፉ ዜጋታት ናይ ሓደ ደቒቕ ፀሎት ሕሊና ብምግባር ዝጀመረ እቲ ባይቶ፥ ውሳነታት ምሕላፉ ኣፍሊጡ፡፡
ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፀም ጭፍጨፋ ኣዚዩ ብምኹን ዝስዕብ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፦
ሀ. ብግፍዒ ንተጨፈጨፉ ዜጋታት ናይ ሓደ ደቒቕ ፀሎት ሕሊና ንኽግበር፣
ለ. ኣብ ሃገርና ኣብ ዝኾነ ይኹን ክልልን ከባቢን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዜጋታት ሞትን ጉድኣት ኣካልን ዘስዐቡን ንብረት ዘዕነዉን ውልቀሰባት ብሕጊ ክሕተቱ ንኽግበር፣
ሐ. በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ፣ ፀፅታ ኣካልን ትካላት ፍትሒን ሰላምን ድሕንትን ህዝቢ ኣጥቢቑ ንኸኽብር፤ ጥፍኣተኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንኅግበር፣
መ. ካብ መንደሮምን መረበቶምን ዝተመዛሉ ዜጋታት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ስራሕቲ ብህፁፅ ንኽስራሕ፣
ሠ. ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብሕውነታውነት፣ ሕብረትን ሓድነትን ጠጠው ንኽብሉ፣
ረ. ብላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ባይቶ ዝሽየሙ ስብጥሩ ንኹሎም ብዝሃነታት ተሓሳቢ ዝገበረ ፍሉይ ኮሚቴ ተጣይሹ ነቲ ጉዳይ ብምፅራይ እቲ ባይቶን ህዝቢን እኹል ሓበሬታ ክህልዎም ንምግባር ከምኡ እውን ንቐፀልቲ ስጉምቲታት ዝሕግዝ ምኽረ ሓሳብ ንኽቐርብ ተወሲኑ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com