Fana: At a Speed of Life!

ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ኢፌል ታወር መጥቃዕቲ ቡምባ ክፍፀም ይኽእል ኢዩ ብዝብል ስግኣት ንኽዕፆ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ ፓሪስ ዝርከብ ኢፌል ታወር መጥቃዕቲ ቡምባ ክፍፀም ይኽእል ኢዩ ዝብል መልእኽቲ ስልኪ ናብ ፖሊስ ምብፅሑ ስዒቡ እቲ ከባቢ ክዕፆ ተገይሩ።

ኣብ ትሕቲ አኢፌል ታወር ዝርከቡ ከባቢታትን ካብ ሩባ ሴን ናብ ፕላዛ ትሮካይዴሮ ዝተዘርገሐ ድልድልን ብናይ ፖሊስ ተሸከርከርቲን ብመዕፀዊ መገዲታትን ክዕፀዉ ከምዝተገበሩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ፥ ኣብ ኢፌል ታወር ዝርከቡ ከባቢታት ክዕፀዉ ዝተገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ፖሊስ መጥቃዕቲ ቡምባ ክፍፀም ይኽእል ኢዩ ዝብል መልእኽቲ ስልኪ ስለዝበፅሖ ከምዝኾነ ገሊፆም።

133 ዓመት ዘቑፀረ ካብ ዓለም ዝነውሐ ታወር ኣብ መዓልቲ ብልዕሊ 25 ሺሕ በፃሕቲ ዓዲ ዝብፃሕ ዝነበረ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምኽንያት ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ከሮና ቁፅሪ በፃሕቲ ነክዩ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.