ፑቲንን ኤርዶሃንን ኣብ ክሊ ስምምዕነት እኽሊ ዩክሬን ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃንን ኣብ ክሊ ምሕዳስ ስምምዕነት እኽሊ ዩክሬን ዘቲዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ የካቲት ኣብ እዋን ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን ውሕመ ፍሪያታት እኽሊ ካብ ዩክሬን ናብ ዕዳጋ ዓለም ብፀሊም ባሕሪ ኣቢሉ ንምብፃሕን ቅልውላው ቀረብ እኽሊ ዓለም ንምቅላልን ዝዓለመ ስምምዐነት ምግባሩ ይፍለጥ።
ይኹን እንበር ሩሲያ ነቲ ስምምዕነት ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣቋሪፃቶ ኢያ።
ስለዝኾነ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃንን ኣብ ክሊ ምሕዳስ ስምምዕነት እኽሊ ዩክሬን ዘቲዮም።
ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን፥ ዓለም ነቲ እኽሊ ዘጎዓዕዘሉ ኮሪደር ጠመተ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።
ፕሬዚዳንት ሩሲያ በግደኦም፥ ኣብቲ ዛዕባ ንምድርዳር ድልዊ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ፍልፍል፡- ዩሮ ኒውስን ሬውተርስን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።