Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ፕሬዚዳንታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ብኣሰናዳእነት ሩሲያ ክሳለጥ ዝፀንሐ ፎረም ፕሬዚዳንታት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ተዛዚሙ።

እቲ ፎረም ካብ 10 ክሳብ 14 ሰነ 2016 ዓ.ም ክካየድ ዝቐነየ እንትኸውን፥ “ብሪክስ ቺፍ ጀስቲስ ፎረም” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝነበሮ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ኣሰራርሓ ቤት ፍርዲ፣ ኣተሓላልዋ መሰል ማሕበራዊ ዜጋታት፣ ሓለዋ መሰል ኢንቨስተራትን ኣብ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ናፅነትን ዝጠመተ ልዝብ ተገይሩ።

ኢሉ እውን ኣብ ሰርዓት ገበን ፍትሒ፣ ኣሰራርሓ ምዝማን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ኣብያተ ፍርዲ፣ ኣብ ምሃብ ግንዛበ  ሕግጋት ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘድሃበ ዘተ ከምዝተገበረ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.