Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ወደባት ኣፍሪካ ኣብ ጅቡቲ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ወደባት ኣፍሪካ ኣብ ጅቡቲ ተሳሊጡ።

እቲ ፎረም ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘሎ ርክብን ምትህብባርን ብምድንፋዕ ኣብ እዋን ኮቪድ ዝነበረ ምዝሕሓል ኢኮኖሚያዊ ንግዲ ሃገራት ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርት ኣይተ ኣወል ወግሪስ፥ መሰል ፎሮማት ምክያዶም ኣብ 2063 ዝተቐመጡ ዛዕባታት ንምዕዋትን ኢትዮጵያ መቐመጢት ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ ከም ምዃና ሓድነት ኣፍሪካውያን ብዝበለፀ ንኽጥንክር ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም፡፡

ሚኒስቴር ትራንስፖርት ፌዴሪኢ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ኣዳሊዩ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ደረቕ ወደባትን ኣብ መዳይ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓታት ርክባት ብዘጠናኽር መልክዑ ከምዝተሃቀኑ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ወደባት ጅቡቲ ቀንዲ ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ዝሳለጠሉ ስለዝኾነ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም፡፡

ንኹሎም ወደብ ተጠቀምቲ ማሕበረሰባት ቅልጡፍ ግልጋሎት ብመሃብ ናይ ሎጂስቲክስን ግዜን ወፃኢ ክንኪ ፍሉይ ትኹረት ብመሃብ ከምዝስራሕ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ ፎረም ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝተወከሉ ሰባት ብኣካል ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ልዕሊ 200 ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ድማ ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ተሳቲፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.