Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ሰነድ ቃልኪዳን ከተማነት ኣፍሪካ ብምውፃእ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝፀንሐ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ሰነድ ቃልኪዳን ከተማነት ኣፍሪካ ብምውፃእ ተዛዚሙ።

“ዘላቒ ምኽታም ንትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ እናተኻየደ ዝቐነየ ቀዳማይ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ፍፃምኡ ረኺቡ።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒኣብ መዛዘሚ እቲ ፎረም÷ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሰናደአቶ ታሪኻዊን ዕዉትን ቀዳማይ ፎረም ዝወፅአ ቃል ኪዳን ረብሑኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ሓበራዊ ሓሳባት ዝተንፀባረቑሉን ልውውጥ ልምዲ ዝተገበረሉን ንስግግር ምኽታም ኣፍሪካ ወሳኒ ረብሓ ዝፃወት መድረኽ ከምዝነበረ ገሊፀን።

ከተማታት ምዝማንን ዘላቒ ዕቤት ዘለወን ምግበርን ይግባእ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ዝማዕበላ ከተማታት ብምህናፅ ንኹሉ ኣፍሪካዊ ተረባሕቲ ምግባር ሓበራዊ ስራሕ ከምዝሓትት ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.