Fana: At a Speed of Life!

ፎረም “ኢንቨስት ኢትዮጵያ 2023” ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካላት ንግዲን ሰብ ሃፍቲን ዝሳተፉሉ “ፎረም ኢንቨስት ኢትዮጵያ 2023” ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም ኮሚሽነር ኢንቨሰትመንት ኢትዮጵያ ለሊሴ ነሜ፣ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይ ኣሕመድ ሺዴ፣ ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ መሓዙት ልምዓትን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ዝፀንሕ ፎረም÷ “ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ብምግባር ማዕብሉ – ሰሓብቲ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ዘለዉዋ ምድሪ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክካየድ ኢዩ፡፡

ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 600 ሓለፍቲ ትካላት ንግዲን ሰብ ሃፍቲን ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ፎረም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡን ዘይተነኽኡ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ንዓለም ንምፍላጥ ምቹው ኣጋጣሚ ከምዝፈጥር ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.