Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ኳታር ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ኳታር ክሳለጥ ኢዩ።

እቲ ፎረም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክብ ከብሎ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኳታርን ዘሎ ልምዲ ንምልውዋጥ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፎረም ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ዝሳለጥ እንትኸውን፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ንግዲ ልውውጥ ልምዲ ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ፎረም፥ ኣብ ዓውዲ ግብርናን መፍረይቲን ዘለዉ ሰብ ሃፍቲን ኩባኒያታትን ክሳተፉ ኢዮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዘመዝገበት ተገሊፁ።

እዛ ሃገር መገዲ ሓዊሱ ኣብ መሰረተ ልምዓት መርከብን ካልኦት ዓውዲታትን ዝሓሸ ልምዓት ምርግጋፃ ተሓቢሩ።

ኣብ ኳታር ልዕሊ 22 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ከምዝነብሩ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ፍልፍል፦ www.gulf-times.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.