Fana: At a Speed of Life!

ፍፃመ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ሓፂር እዋን ንምትግባር ተላዒልና ኢና – ወፈርቲ ግምባር ወሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍፃመ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ሓፂር እዋን ንምትግባር ከምዝተለዓሉ ኣብ ግምባር ወሎ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ሃገር ንምድሓን ዝዘመቱ ዕጡቓትን ተዛሪቦም።

ካብ ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ካብ ዝርህርሁሉ ህዝቢን ብተፃራሪ ደው ዝበለ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምድሳስ ምድላው ከምዘለዎም ገሊፆም።

ናይቲ እዋን ፀባይ ኣየር፣ መልክኣ ምድሪን ኩነታት ስድራን ዘየሰኮኖም ሉኣላዊነት ሃገር ንምሕላው ነቲ ግብረ ራዕዲ እናደምሰሱ ይርከቡ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ናብ ግምባር ብምኻድ ኩነታት ተዓዚቡ።

ስለዝኾነ ድማ ፍፃመ ፀላኢ ንምቅልጣፍ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት፣ ሚሊሻታትን ካልኦት ዕጡቓትን ብሓባር እናሰርሑ ዝነኣድ ገድሊ እናመዝገቡ ከምዝኾኒ ተመልኪቱ።

ኣባላት እቲ ሰራዊት፥ ንፀላኢ ዘይተናወሐ ግዘ ብመሃብ ኣብ ዘሓፀረ እዋን ፍፃመ እቲ ጁንታ ንምግባር ከምዝተለዓሉ ኣብሪሆም።

ቅድሚ ሕዚ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ብምዃን ሃገር እናገልገሉ ዝነበሩ ኣባላት እውን ብድጋሚ ብምፅምባር ፀላኢ እናደምሰሱ ይርከቡ።

ብኣፈወርቅ እያዩን ለይኩን ኣለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.