Fana: At a Speed of Life!

ፍትሓዊ ሕቶታት መሰረተ ልምዓት ዜጋታት መልሲ ክረኽቡ ይግባእ – ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ ርክብ ብምፍጣር ፍትሓዊ ሕቶታት መሰረተ ልምዓት ዜጋታት መልሲ ክረኽቡ ከምዝግባእ ኣፈ ጉበኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

መድረኽ ዘተ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ቀፃሊ ሕገ-መንግስታዊነትን፣ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ዘላቒ ሰላምን ሃገር ንምዕሳል ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን÷ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ምምሕያሻት ፖሊሲ ምግባሩን ዝነበሮ ክፍተት ከምዝመልአን ኣፍሊጡ፡፡

ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ብግደኦም÷ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ሃገራዊን መንግስታዊን ልኡኽቶ ሓሊፉ ምስ ሲቪል ማሕበረሰብ ብምትሕብባርን ብምውዳድን ከምዝሰርሕ ኣብሪሆም።

ብምንይችል ብዘዘውን ሲሳይ ዱላን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.