Fana: At a Speed of Life!

ፍልሰት መናእሰይ ኣብ ምግታእ ልዑል ጠመተ ብምሃብ ክስረሐሉ ይግባእ-ብ/ጀነራል ፃድቃን ገብረተንሳኤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ፍልሰት መናእሰይ ኣብ ምግታእ ልዑል ጠመተ ብምሃብ ክስረሐሉ ይግባእ ከምዝግባእ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ካቢኔ ሴክረተርያት ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራታይዘሽንን ብ/ጀነራል ፃድቃን ገብረተንሳኤ ገሊፆም።

ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደት፣ ሳዕቤናቶምን መፍትሒታቶምን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ፥ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ከተማ መቐለ የሳልጥ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኵናት ስዒቡ ኩለ-መዳይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ብምግጣሙ መናእሰይ ንስደር ይቃልዑ ምህላዎም ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ።

ነዚ ጠሚቶም ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥራሕ ልዕሊ 34 ሽሕ መናእሰይ ካብ ትግራይ ከመዝወፅኡ ኣብቲ ዝቐረበ ፅሑፍ ተገሊፁ።

ናይዚ ቀንዲ ምኽንያታት ድማ፥ ስእነት ስራሕ፣ ደርቂ፣ ዘይምርግጋ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ዘይምዝርጋሕን ዝብሉ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ፍልሰት መናእሰይ ኣብ ምግታእ ልዑል ጠመተ ብምሃብ ክስረሐሉ ይግባእ ተባሂሉ።

ብ/ጀነራል ፃድቃን ገብረተንሳኤ፥ እቲ ሕዚ ዘጋጥም ዘሎ ፍልሰት መናእሰይ ብፍላይ ኣብ ድሕረ ኵናት ከጋጥሙ ካብ ዝኽእሉ ቅልውላዋት ሓደ ዋላካ እንተኾነ ኣብ ምፍትሑ ግና ፍሉይ ርብርብ ይጠልብ ኢሎም ።

ነዚ ንምፍታሕ ድማ ካብቲ ክሳብ ሕዚ ዝመፀናሉ መንገዲ ብዝተፈለየ ካብ ፖለቲካዊ ኣካይዳና ጀሚሩ ምዕሩይ ዝኾነ ለውጢ ክነምፅእን ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.