Fana: At a Speed of Life!

ፍሉይ ሰሙን ንግዲ ኤግዚቢሽንን ባዛርን “ናይ ኢትዮጵያ ይዓድጉ” ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ናይ ኢትዮጵያ ይዓድጉ” ዝተብሃለ ፍሉይ ሰሙን ንግዲ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተኸፊቱ፡፡

እቲ ፍሉይ ሰሙን ንግዲ÷ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ከምኡ እውን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ከፊቶምዎ።

ብማኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ ዝተሰናደአ ፍሉይ ሰሙን ንግዲ ዝተፈላለዩ ኣምፃእቲን ለኣኽቲን ፍርያታቶም ንዓዳጊ ከቕርቡ ኢዮም።

ኣብ ቀፅሪ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝተሰናደአ እቲ ሰሙን ንግዲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ 23 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.