Fana: At a Speed of Life!

ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ትግራይ ናይዚ ጥፍአት ቡድን ዓላማ መፈፀምቲ ካብ ሙዃን ባዕልኹም ክተድሕኑ ዝተውሃበ ን3 መዓልቲ ዝፀንሐ ፃውዒት ሎሚ ተወዲኡ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ትግራይ ናይዚ ጥፍአት ቡድን ዓላማ መፈፀምቲ ካብ ሙኻን ባዕልኹም ክተድሕኑ ዝተውሃበ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሐ ጻውዒት ሎሚ ተወዲኡ ክብሉ ቀዳማይ  ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ከምዝፀሓፍዎ፥ እቲ ፃውዒት ዝተቐበሉን ተጠቀምቲ ዝኾኑን ፍሉይ ሓይልታትን ምልሻን ትግራይ ንዝወሰድዎ ሓላፊነት ዝተመልኦ ህዝቢ ናይ ምድሓን ስራሕ ምስጋና ይግበኦም እዩ።

“ዝተውሃበ ናይ ግዜ ገደብ ሎሚ ተዛዚሙ አሎ። ስለዝኾነ ድማ ናይ መጨረሻ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ኣብ ቀፀልቲ መዓልትታት ክካየድ እዮ” ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.