ፌስቲቫል ፊልም ብሪክስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ መጀመሪ ፌስቲቫል ፊልም ብሪክስ ዝኾነ ፌስቲቫል ፊልምን ቴሌቪዥንን ኢትዮ-ቻይና ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ።
ጎፍ ኢንተርቴይመንት ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ፣ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን፣ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ዝተሰናድአ እቲ ፌስቲቫል፥ ካብ 11 ክሳብ 14 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ።
‘ሂሩት አባቷ ማነው’ ከምኡውን ካልኦት ፊልምታት ቻይናን ኢትዮጵያን ነምርኢት ክቐርቡ ኢዮም ተባሂሉ።