Fana: At a Speed of Life!

ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ምልክታታት ተሓታትነት ዘዕስል ኣሰራርሓ ዘርጊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባኒያ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፖለቲካዊ ምልክታታት ተሓታትነት ዘዕስል ኣሰራርሓ ዘርጊሑ።

እቲ ኩባኒያ፥ ኢትዮጵያን ኬንያን ሓዊሱ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ መረፃን ፖለቲካዊን ምልክታታት ተሓታትነትን ቁፅፅርን ዘዕቢ ኣሰራርሓ ከምዝዝርግሕ ኢዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቡክ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ መረፃን ፖለቲካን ኣመልኪቶም ምልክታ ዘመሓላልፉ ኣካላት ፍቓድ ክህልዎምን ኣብ ፌስቡክ ዝመሓላለፉ ትሕዝቶታት ሓላፍነት ክወስዱ ከምዝግባእን ኣፍሊጡ።

እዚ ድማ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ኣብ ገፆም ዝመሓላለፉ ምልክታታት ዝበለፀ ቁፅፅር ንኽልዎም ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ተጠቀምቲ ናይ ባዕሎም ድሌትን ሓሳብን ብምፍላይ ማሕበራዊ፣ መረፃን ፖለቲካዊን ምልክታታት ክቆፃፀሩ ከምዘኽእሎም እውን ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ካብ ዝቕፅል ሓሙስ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበርን ኣብተን ሃገራት ምስዝካየዱ መረፃታት ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.