ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጋውሑ ጎንፂ ዝቕስቅሱ ናይ ፅልኢት ዘረባታት ክቆፃፀር ከምዘይከኣለ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባኒያ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጋውሑ ጎንፂ ዝቕስቅሱ ናይ ፅልኢት ዘረባታት ክቆፃፀር ከምዘይከኣለ ወይ እውን ከምዘይደለየ ዝተገበረ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።
ብፌስቡክ ዝጋውሑ ጎንፂ ዝቕስቅሱ ናይ ፅልኢት መልእኽቲታት ኣብ ሚያንማር ጅምላ ጭፍጨፋ ከምዘስዐቡን ኢትዮጵያ እውን ብፌስቡክ ዝጋውሑ ናይ ፅልኢት ዘረባታት ተጠቃዒት ከምዝኾነት እቲ ዝተኻደ መፅናዕቲ ኣብሪሁ።
እቲ መፅናዕቲ ዘካየዱ “ግሎባል ዊትነስ”ን “ፎክስ ግሎቭ” ዝተብሃሉ ንትርፊ ዘይተጣየሹ ትካላት መፅናዕቲ ከምዝኾ ዘጋርዲያን ፀብፂቡ፡፡
ኣብ መፅናዕቶም ድማ፥ ብፌስቡክ ከም ማያንማር ኣብ ኢትዮጵያ እውን ኮነ ተባሂሎም ናይ ፅልኢት መልእኽቲታት ከምዝጋውሑን እቲ ኩባኒያ ክቆፃፀሮም ከምዘይከኣለን ኣረጋጊፆም፡፡
እቲ ጉጅለ መፅናዕቲ ሰብኣውነት ዝነኽ ኢሉ ካብ ሞንጎ ዝመደቦም መልእኽቲታት፤ ብሄር ኣምሓራ ትግራይን ኦሮሞን ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ንኽቕተሉ ብፅፍኛታት ዝተመሓላለፉ ፃውዒታት ሓዊሱ ከምዝተመልከተ ፀሪሑ፡፡
ሜታ ብዝብል ናይ ንግዲ ሽም ዝፅዋዕ ኩባኒያ ፌስቡክ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ፥ እቶም ናይ ፅኢት መልእኽቲታት ካብ ቁፅፅሩ ሓሊፎም ክጋውሑ ከምዘይነበሮም ኣሚኑ ኣብ ቀፃሊ ጥቡቕ ቁፅፅር ዲጂታል ስርዓት ከምዝግበረሎም ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡
ይኹን እምበር እቲ ኩባኒያ ቃል ካብ ዝኣተወሉ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ክልተ ተወሳኺ ጎንፂ ዝቕስቅሱ ዘረባታት ከምዝተጋውሑ ተሓቢሩ፡፡
ብምኽንያት እዚ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኩባኒያ ፌስቡክ ሜታ ሼሪል ሳንድበርግ ካብ ሓላፍነተን ከምዝተልዓላ እውን ዘጋርዲያን ኣዘኻኺሩ፡፡
ፌስቡክ ሕዚ እውን ናይ ፅልኢት ዘረባ ምግወሖም ኣሚኑ፣ ኣምሓርኛ ሓዊሱ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ዝፈልጡ ሰራሕተኛታት ከምዘለዉዎ ብምግላፅ፤ ሰብ ብምዃኖም ክሰሓሓቱ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።