Fana: At a Speed of Life!

ፋና ኣብ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘለዎ ተበፃሕነት ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሓገዝ ቴክኖሎጂ ክገብር ኢዩ – ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፋና ኣብ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘለዎ ተበፃሕነት ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሓገዝ ቴክኖሎጂ ከምዝገብር ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር) ገሊፆም፡፡

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘህነፆ ሓዱሽ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ÷ ኣይ ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)ን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር) ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፋና ዘበናዊን ተወዳዳሪን ስቱዲዮ ፋና ላምሮት ብምህናፅ ንምርቓት ብምብቃዕኹም እንኳዕ ደስ በለኩም” ኢሎም፡፡

ፋና ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምጥቃም ምስ ውሽጢ ሃገር ኢሉ እውን ምስ ዓለም ተወዳዳሪ ንኽኸውን ትካሎም ኩለመዳይ ሓገዝ ቴክኖሎጂ ከምዝገብር እውን ተዛሪቦም፡፡

ፋና ብትሕዝቶ፣ ተበፃሕነት፣ ፅሬት ካሜራን ድምፂን ከምኡ እውን ብዘለዎ ተግባር ሰሓቢ ኣቀራርባ ኣብነት ብምዃኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ መራኸብቲ ሓፋሽ ትፅቢት ዝግበረለን ሙያዊ ሓላፍነት ብዝግባእ ንኽዋፅኣ ብቐረባ እናሰርሐ ምዃኑ እውን ፀሪሖም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.