Fana: At a Speed of Life!

ፋና ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ተመክሮ ምዕቡላት ሃገራት ብምቕማር ንልምዓትን እወንታዊ ፅባቐን እዛ ሃገር ከምዝሰርሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ተመክሮ ምዕቡላት ሃገራት ብምቕማር ንልምዓትን እወንታዊ ፅባቐን እዛ ሃገር ከምዝሰርሕ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፓሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው  ኣፍሊጦም።

እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ነዚ ዝበሉ፥ ኣብ ኳታር ስቲዲዮ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ኢዮም ነዚ ኢሎም።

ፋና ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምዕጣቕን ብኣግባቡ ብምጥቃምን ቀዳማይ ፍልፍል ሓበሬታ ንምዃንን ንሃገርና ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ዝረብሕ ሓበሬታ ንሕብረተሰብ ንምብፃሕን ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም።

ተመክሮታት ማዕኸናት ሚዲያ ዓለም ብምቕማር ረብሓ ህዝቢን ሃገርን ብዘቐደመ መገዲ ዝስርሑ ሓበሬታታት ተበፃሕቲ ብምግባር ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ብመንፅር እዚ ፋና ካብ ሃገር ሓሊፉ ኣብ መድረኻት ዓለም እወንታዊ ፅባቐ ኢትዮጵያ ክሃንፁ ዝኽእሉ ሓበሬታታት ብምሃብ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣልጀዚራ ስቱዲዮ ኣብ ዝተገበረ ዑደት ስራሕቲ ሚዲያ ብሙያ በስለትን ሓደራ ህዚ ማእኸል ብዝገበረ መልክዑ ክፍፀም ከምዝግባእ ተገንዚብና ኢና ኢሎም።

ስራሕቲ ንምቅልጣፍ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ምጥቃም ኣድላዪ ከምዝኾነ ብዝበለፀ ምግንዛቦም እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ ፋና ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ተመክሮ ምዕቡላት ሃገራት ብምቕማር ንልምዓትን እወንታዊ ፅባቐን እዛ ሃገር ከምዝሰርሕ ኣገንዚቦም።

ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ሰልጠና ሚዲያ ኔትዎርክ ኣልጀዚራ ዶክተር ኢማን አል አምሪ ብግደኦም፥ ኣልጀዚራ ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ልምዲ ንምክፋል ብሙያተኛ ስልጠናን ናውቲን ደገፍ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትንምስራሕ ድልው ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ሓላፊ ኢንስቲትዩት ሚዲያ ኣልጀዚራ ሙንተሰር ማራይ፥ ፋና ተፈታዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ፈጣሪ፣ ተወዳዳሪ፣ ኣብ ኣማራፂ ሚዲያታት ዝበለፀ ተበፃሒ፣ በዓል ብቑዕ በዓል ሙያ ንክኸውንን ዝሓሸ ፅርየት ዘለዎም ትሕዝቶታት ንክሰርሕን ትካሎም ኩለ መዳይ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

ነዚ ድማ ምስ ፋና ብቕርበት ንምስራሕ ከምዝደሊ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.