Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ክፍለ ከተማ ሱሉልታ ስራሕቲ ወለንታ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ መርሃ ግብሪ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታዊያን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ሱሉልታ ብምርካብ  ዓቕሚ ናይ ዘይብሎም ወገናት ስድራ ንዝኾኑ ተምሃሮ ደገፍ ናውቲታት ትምህርቲ ገይሩ።

ጎኒ ንጎኒ እቲ ደገፍ ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ንዝተገበረ ደገፍ ምስጋና ዘቕረበ ምምሕዳር እቲ ወረዳ፥ ከምዚ ዝበለ ወለንታዊ ተግባር ተጠናኺሩ ንክቕፅል ሓተቱ።

እቲ ደገፍ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምጥንኻር ቀፃልነት ከምዝህልዎ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣረጋጊፁ።

ብበፀሎት መንገሻ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.