Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ቢሮ ትምህርቲ ኦሮሚያ ስምምዕነት ህንፀት ዘበናዊ ስቱዲዮ ፖድካስት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ቢሮ ትምህርቲ ኦሮሚያ ስምምዕነት ህንፀት ዘበናዊ ስቱዲዮ ፖድካስት ከቲሙ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዐነት፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ቶላ በሪሶ (ዶ/ር) ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፥ ሃገር ብትውልዲ፣ ትውልዲ ድማ ብትምህርቲ ዝህነፅ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ኣብ ሓደ ቢሮ ወይ ትካል ዕላዊ ከምዘይኾን ሓቢሮም።

ኣብዚ ኩነታት ሚዲያ ልዑል ሓላፍነት ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ፋና እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ተወዳዳሪን ብቑዕን ትውልዲ ኣብ ምህናፅ ናይ ባዕሉ ግደ የበርክት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ፋና ተመሳሰልቲ ዘበናዊ ስቲዲዮታት ብምህናፅ ሰፊሕ ልምዲ ዘለዎ ከምዝኾነ በምግላፅ ሎሚ እቲ ቢሮ በዝሃበና ዕድል ሕጉሳት ኢና ኢሎም።

ቶላ በሪሶ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ልዑል ተደማፅነት፣ ሰፊሕ ተበፃሕነት ዘለዎን ህዝቢ ምስ ዘምህርን ዘሀድስን ገዚፍ ሚዲያ ብምፍርራምና ሕጉሳት ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ብመራኦል ከድር

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.