ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መዛዘሚ ክትዕ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣካይዱ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣመልኪቱ ፓርቲታት ፖለቲካ ብምዕዳም እናካየዶ ዝነበረ ክትዕ መዛዘሚ ኣካይዱ።
እቲ ጣቢያ ፓርቲታት ፖለቲካ ብምዕዳም ትሽዓተ ግዘ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ክትዕ ንኸካይዱ ገይሩ ኢዩ፡፡
ብምዃኑ ድማ 11 ሃገር ለኸ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣማራፂ ፖሊሲኦምን ሓሳቦምን ንህዝቢ ኸብፅሑ ፃዕሪ ተገይሩ፡፡
ኣብ ፓርክ ሓድነት ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ክትዕ ድማ ሓሙሽተ ፓርቲታት ፖለቲካ ሓሳቦምን ኣማራፂ ፖሲታቶምን ብምቕራብ ተኻቲዖም፡፡
ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ ክትዓት ብተፈለየ መልክዑ ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ክትዕ፥ ኩሎም ፓርቲታት መረፃ እንድሕር ተዓዊቶም ቀደምቲ ክልተ ዛዕባታት ኣቕሪቦም፡፡
ኣብ ኣማራፂ ፖሊሲኦም ካብ ምክታዕ ሓሊፎም ድሕሪ መረፃ እንተዘይተመሪፆም እውን ውሳነ ህዝቢ ንምኽባር ኣብ ዘለዎም ቆራፅነት ዝምልከት እውን ሓሳቦም ሂቦም፡፡
ኣብቲ መዛዘሚ ክትዕ ሓሙሽተ ፓርቲታት ማለት እውን ፓቲ ብልፅግና፣ ፓርቲ ኢዜማ፣ ፓርቲ ናፅነትን ማዕርነትን፣ ፓርቲ ህብር ኢትዮጵያን ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡
እቶም ፓርቲታት፥ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣማራፂ ሓሳቦም ንህዝቢ ንኸቕርቡ ዘይሻራዊ ብምዃን ካብ ሓደ መራኸቢ ሓፋሽ ትፅቢት ዝግበር ሓላፍነት ከምዝተዋፅአ ብምፅራሕ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
ብለይኩን ኣለም
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5 ይግበሩ/ራ!