ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም፡፡
እቲ ሰነድ ስምምዕነት፤ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣድማሱ ዳምጠውን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ ብርሃኑ ለማ (ዶ/ር)ን ከቲሞምዎ፡፡
እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ምምሃር ምስትምሃር ስርሑ ብተወሳኺ፤ ዓውዲ ፍርያት መዓድንን ቡንን ንምዝማን ዘኽእሉ ተግባራት እናወገነ ከምዝኾነ እቶም ፕሬዚዳንት ገሊፆም፡፡
ስርዓት ገዳ ንምፍላጥ ስርዓተ-ትምህርቲ ሓንፂፁ ክሳብ ሳልሳይ ዲግሪ እናምሀረ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡
እቲ ሰነድ ስምምዕነት፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝውግኖም ተግባራት ብፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣቢሉ ናብ ሕብረተሰብ ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ