ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ፍርያት ምፍራይ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ትግራይ ብልዕሊ 1 ቢልየን ብር ካፒታል ዝተሃነፀ ፈላማይ መፍረዪ ቴራናይት ዝኾነ ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ምህርቲ ምምራት ጀሚሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ስነ ዝተመረቐ ፍብሪካ ቴራናይት ሰላም፤ ኣብ ትግራይ ፈላማይ ቴራናይት መፍረዪ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
እቲ ፋብሪካ፤ ኣካል ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ትግራይ ንምዃን ዓሊሙ ናብ ምፍራይ ከምዝኣወ ተገሊፁ። ብበዓል ሃፍቲ ኣይተ ገብረመድህን ገብረ ማርያም ዝትሃነፀ ፋብሪካ ቴራናይት ስላም፤ ኣብ ምርግጋፅ ዕበየትን ልምዓትን ትግራይ ኢሉ እውን ሕወየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ግደኡ ከምዘበርክት ኣብሪሆም።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፍብሪካ ቴራናይት ሰላም ኣይተ ቴድሮስ ኣብርሃ ብወገኖም÷ እቲ ፋብሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓቕሚን ብዘፍርዮ ምህርቲን ፈላማይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ፋብሪካ፤ ዶሎማት፣ ፀፀር፥ ግራናይትን ስሚንቶን ከምዝጥቀም ምግላፆም ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።