Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ኩራዝ ቁፅሪ 3 ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ኩራዝ ቁፅሪ 3 ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016 ሽኮር ናይ ምፋራይ ስርሑ ሽኮር ኣገዳ ብምጥሓን ጀሚሩ፡፡

ኣብዚ ዓመት ኣብ 4 ሺሕን 600 ነጥቢ 5 ሄክታር ዝለምዐ ሽኮር ኣገዳ ብእታወት ብምጥቃም 245 ሺሕን 927 ነጥቢ 5 ኩንታል ሽኮር ንምፍራይ ተሓሲቡ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተገሊፁ፡፡

ሓፈሻዊ ፅገና ክረምቲ እቲ ፋብሪካ ተወጊኑ 26 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ቦይለር ከምዝተለኮሰ ካብ ኢንዱስትሪ ግሩፕ ሽኮር ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.