Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዘጋጠምዎ ፀገማት ብጊዜያዊነት ብምፍታሕ ሲሚንቶ ምፍራይ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዘጋጠምዎ ፀገማት ብጊዜያዊነት ብምፍታሕ ሲሚንቶ ምፍራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ብሰንኪ ኣብ ናይ ዕደና ቦታታት ዘጋጠመ ፀገም ንምፍራይ ሲሚንቶ ዘድሊ ጥረ ኣቕሓ ብኣግባቡን ብእዋኑን ክንረክብ ብዘይምኽኣልና ንዝሓለፉ ክልተ ቕነ ፍርያት ሲሚንቶ ጠጠው ኣቢልና ምፅናሕና ይፍለጥ ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ህዝቢን ብምዃን እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብርክት ዝበሉ ፃዕርታት እናተገበረ ምፅንሑ ሓቢሩ።

እቲ ዘጋጠመ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕርታት ከምዝቕፅሉ ብምግላፅ፥ ጎድና ጎድኒ ኣማራፂታት ብምንዳይ ዘሎ ፀገም ጥረ ኣቐሓ ብጊዜያዊነት ብምፍታሕ ሲሚንቶ ምፍራይ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.