Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካታት ሽኮር ብፀገም እታወታትን ካልኦት ፀገማትን ትፅቢት ዝግበረሎም ኣየፍረዩን ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መብዛሕተኦም ፋብሪካታት ሽኮር ብሕፅረት ቀረብ እታወታትን ኣብ ዝተወሰኑ ፋብሪካታት ድማ ብዝነበረ ፀገም ፀፅታን ትፅቢት ዝግበረሎም ፍርያት ከምፍርዩ ከምዘይከኣሉ ግሩፕ ኢንዱስትሪ ሽኮር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ስራሕቲ ብዝተቐመጠሎም መለክዒ ኣብ ምስራሕን ምፍፃምን ጉድለት ዓቕሚ ስለዝተርኣየ÷ ከፍርዩዎ ዝድለ መጠን ከምዘየፍረዩ ዋና ሓላፊ ክፍሊ ርክብ ህዝቢን ተሳትፎን እቲ ግሩፕ ረታ ደመቀ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝተዛዘመ እዋን ፍርያት ሓሙሽተ ፋብሪካታት ሽኮር ዘፍረዩዎ መጠን 1 ሚሊየን 90 ሺሕን 984 ኩንታል ጥራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ካብ ፋብሪካታት ሽኮር ወንጂ ሸዋ፣ መተሃራን ፊንጫን ልዕሊ 765 ሺሕ 535 ኩንታል ፍርያት ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ኢንዱስትሪ ግሩፕ ሽኮር ዝመሓደሩ ፋብሪካታት ሽኮር ኦሞ ኩራዝ ቁፅሪ 2 ኦሞ ኩራዝ ቁፅሪ 3ን 291 ሺኽን 938 ኩንታል ከምዝፈረየ ሓቢሮም።

ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ኩራዝ ቁፅሪ 2 ኦሞ ኩራዝ ቁፅሪ 3ን ዝርከቡሉ ከባቢ ዝተፈለየ ክሌማዊ ለውጢ ስለዘለዎ÷ ኣብ ዓመት ክልተ ወቅቲታት ምፍራይ ከምዘለዉዎም ኣብሪሆም፡፡

ፋብሪካ ሽኮር ኦሞ ኩራዝ ቁፅሪ 3÷ ካብ 7 ሓምለ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ናይ ምዕራፍ ክልተ ስራሕቲ ምፍራይ እናሳለጠ ምዃኑን ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ተዛሪቦም።

“ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ እዋን ፍርያት ክሳብ 150 ሺሕ ኩንታል ሽኮር ከምዘፍሪ ትፅቢት ይግበር” ኢሎም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.