ፊንላንድ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትእስሳር ንግዲ ክተጠናኽር ከምትደሊ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ሄሌና ኣይራክሲነንን ልኡኽ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገርን ተዛቲየን፡፡
እተን ሚኒስትር ኣብቲ አዋን ዘተ፥ ፊንላንድ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣመስጊነን፡፡
ኢትዮጵያ ዝተማለአ ሪፎርም ኢኮኖሚ ንምግባር ቆራፅ ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ንማሕበራዊ ፀገም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ኣብሪሀን፡፡
ኣምባሳደር ሄሌና ኣይራክሲነን ብግደአን፥ ሃገረን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትእስሳር ንግዲ ንምጥንኻርን ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ዘለዋ ተሰትፎ ኢንቨስትመንት ንምድንፋዕ ድሌት ከምዘለዋን ኣረጋጊፀን፡፡