ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ይምርቑ ኣለዉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ይምርቑ ኣለዉ፡፡
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብዋና መምርሒ ፋይናንስ ደገፍን ቁፅፅርን መሃንዲስ ምክልኻል ኣብ እዚ ምብራቕ ዝተሃነፀ ዘበናዊ መንበሪ ካምፕ ክፍለ ጦር ሎሚ ንጉሆ መሪቖም፡፡
ካብዚ በምቕፃል ድማ ብ3 ቢሊየን ብር ወፃኢ ኣብ ድሬዳዋ ዝተሃነፀ ዘበናዊ መንበሪ ኣፓርታማ እቲ ሰራዊትን ኣብ ምብራቕ እዚ ኣብ ሳልሳይ ብርኪ ሆስፒታልን ከምርቑ እዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡