Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ወተሃደራዊ ልዑኽ ሞሮኮ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብምክልት ኢንስፔክተር ጀኔራል ስታፍ ሞሮኮ ሜጄር ጄኔራል ኣዚዝ ኢድሪሲ ምስ ዝተመርሐ ወተሃደራዊ ልዑኽ ሞሮኮ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ጉዳያት ተላዚበን።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፥ ኣብዚ እዋን ዝተኸፈተ ሓዱሽ መስመር ርክብ ንምዝርጋሕ ዘተን ዑደትን ምግባር እወንታዊ ነገር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሜ/ጄ ኣዚዝ እድሪሲ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላም ይኹን ካልኦት ዓውዲታት ግቡኡ ብብቕዓት ክዋፃእ ዝኽእል ጠንካራ ወተሃደር ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ምግባር ኣዝዩ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምእማን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅኡ ሓቢሮም።

እቲ ዘተ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብ ብሓዱሽ መገዲ ንምሕዳስ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ክሊ ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ተቐራሪብካ ንምስራሕ ዘኽእል በሪ ከምዝኸፍት ተሓቢሩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.