Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጣልያን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጣልያን ኣድሚራል ጁሴፔ ቻቮ ተዛቲዮም።

ብላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጣልያን ኣድሚራል ጁሴፔ ቻቮ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል እንትበፅሕ ብፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ጀነራል መኮንናትን ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጣልያን ኣድሚራል ጁሴፔ ቻቮን÷ ኣብ ቀታደራዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ሓቢሮም ንምስራሕ ዘኽእሎም ዘተ ኣካይዶም።

ብኻሊእ መዳይ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ርክብ ምጥንኻርን ብሓባር ምስራሕን ኣብ ዘኽእለን ጉዳያት ጠሚቶም ምዝታዮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.