Fana: At a Speed of Life!

ፈተና 12 ክፍሊ ዝወስዱ ተምሃሮ ናብ ዝተመደቡሉ ዩንቨርስቲ ይኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈተና 12 ክፍሊ 2016 ዓ.ም ዝወስዱ ተምሃሮ ናብ ዝተመደቡሉ ዩንቨርስቲ ይኣትዉ ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ፥ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት፣ ጅግጅጋ፣ ጅማን ጋምቤላን ዝተመደቡለን ተፈትተንቲ ምቕባል ምጅማረን ኣፍሊጠን።

ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት፥ ኣብ ቀዳማይ ዙር 6 ሽሕ ተምሃሮ ኣብ ካልኣይ ዙር ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ተምሃሮ ክፍተኑ እዮም።

ኣብ ዩንቨርስቲ ጅማ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዙር ካብ ዝፍተኑ 10 ሺሕን 749 ተምሃሮ እቶም 4 ሺሕን 143 ዝኾኑ ዝኣተዉ ከምዝኾኑ ዝተረፉ ተፈትተንቲ ድማ ፅባሕ ከምዝኣትዉ ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲ ጋምቤላ ኣብ ቀዳማይ ዙር 6 ሺሕን 131 ተምሃሮ ከምዝተቐበለ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.