Fana: At a Speed of Life!

ፈተና 12 ክፍሊ ብብርኪ ሃገር ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈተና 12 ክፍሊ 2016 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ይወሃብ ኣሎ።

ሎሚ መዓልቲ ተፈተንትቲ ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ 12 ክፍሊ ኣብ ዩንቨርስቲታት ፈተነኦም ይወስዱ ኣለዉ።

ነቲ ፈተና ብዕሊ ዘጀመርዎ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፥ ሎሚ ንልዕሊ 700 ሺሕ ተምሃሮ ዝወሃብ ፈተና ንፈለማ እዋን ብኦን ላይንን ወረቐትን ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መላእ ሃገር ዝተጀመረ  ብኦን ላይንን ወረቐትን ዝወሃብ ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ናይ ዝተትሓዘ ትልሚ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፈተና ማሕበራዊ ሳይነስ ካብ 3 ክሳብ 5 ሓምለ 2016 ዓ.ም ክወሃብ ኢዩ።

ኣብ ትግራይ ድማ ብኽልተ ዙር ዝወሃብ እንትኸውን፥ ቀዳማይ ዙር ትማሊ 2 ሓምለ 2016 ዓ ም ከምዝተጀመረ ይዝከር።

ክሳብ 12 ሓምለ ከምዝፀንሕ ድማ ተሓቢሩ።

ምኽኒያቱ ድማ፥ ኣብ ነባር ስርዓተ ትምህርቲ ዝተምሃሩ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2013ን 2014ን ከፍተኑ ዝነበሩ ተምሃሮ ሐዚ ይወስዱ ስለ ዘለዉ ኢዮም ተባሂሉ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.