Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ዋር ኮሌጅ ምክልኻል እናበርከቶ ዝርከብ ኣስተዋፆኦ ንኢዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብጄኔራል ስቴፈን ሩሽ ዝተመርሐ ልኡኽ ምክልኻል ፈረንሳይ ኣብ ዋር ኮሌጅ ምክልኻል ዑደት ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ እዋን ዑደት እውን፤ ዋር ኮሌጅ ምክልኻል ኣብ ዓለም ለኻዊን ዞባዊን ምትእስሳር እናበርከቶ ዝርከብ ዕዙዝ ኣስተዋፆኦ እቲ ልኡኽ ንኢዱ፡፡

“እቲ ኮሌጅ ወታደራዊ ስትራቴጂክ ኣመራርሓ ንኽፍጠር ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንሃገራት እቲ ከባቢ ዓቕሚ ብምህናፅ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዘበርከቶ ዕዙዝ ግደ ዝበረታታዕን ዝድገፍን ኢዩ” ኢሉ፡፡

ኣዛዚ እቲ ኮሌጅ ብርጋዲየር ጄኔራል ቡልቲ ታደሰ ብግደኦም፤ ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ብዝምልከት ኣብ ምድግጋፍ ዝተመሰረተ ርክብን ምርድዳእን ብምፍጣር ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ተግባር ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምርግጋፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.