Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ንኢትዮጵያ 40 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይ ንኢትዮጵያ 40 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ክትገብር ኢያ።

እቲ ሓገዝ፥ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ፍሪዴሪክ ቦንቴምስን ኢዮም ዕላዊ ገይሮምዎ።

ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ትገብሮ ፃዕሪ ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ብኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ኣቢሉ ዝልቀቕ ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ዝልቀቕ ሓገዝ፥ መንግስቲ ናይ ሓፂር እዋን ፀገማት ንምፍታሕን ህፁፅ ትልሚ ንምትግባርን ዝገብሮ ፃዕሪ ብፍላይ ብብርኪ ሃገር ዝተትሓዘ ስግግር ኢኮኖሚ ንምዕዋት ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ናይ ሕዚ ሓገዝ፥ ፈረንሳይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ትገብሮ ሓገዝ 85 ሚሊየን ዩሮ ሓደ ኣካል ኢዩ።

ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ዝተፈረመ ስምምዕነት ሓገዝ ምዃኑ ይዝከር።

ኤጀንሲ ልምዓት ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 500 ሚሊየን ዩሮ ፈሰስ ምግባሩ ካብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.